Über Daero Eritrea

ዳዕሮ ኤርትራ : ጥርናፈ ኤርትራውያን ተቐማጦ ክፍለ-ሃገር ሽለስቪግ-ሆልስታይን ጀርመን
ንሕና ናይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ጥርናፈ ኣብ ኪል ኮይንና፣ ኣብ ክረምቲ 2018 ዝቖምና ኢና። ብሓባር ን ኤርትራውያን ተቐማጦ ሰሜን ጀርመን (ሽለቪግ-ሆልስታይን) ብምውካል ንሰርሕ።
ዳዕሮ ዓባይ ገረብ ኣብ ኤርትራ ኮይና፣ ዝተፈላለዩ ሕብረተሰብ ኤርትራ ኣብ ትሕቲኣ ብምጽላል ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ዝዛተዩላ ግንንቲ መአከቢት ኢያ። ዳዕሮ ኤርትራ ነዚ ስዒቡ ተዝርዚሩ ዘሎ ዕላምማታት ሒዙ እዩ ተበጊሱ። ኣብ ምልውዋጥ ባህሊ ምስ ጀርመናውያንን ካለኦት ሕብረተሰብን ምድንፋዕን ኣብ መንጎ ሕብረተሰባት ዘሎ ርድኢት ንምዕባይን ንዘሎ ኣሉታዊ ኣረኣእያ ንምቕያርን ኣተኩሩ ይሰርሕ። ዝተፈላለዩ ንጥፈታትን ፕሮጀክትታትን ብምክያድ፣ ንዘሎ ማሕለካታት ንምስጋርን ምስ ኣከባብያዊ ማሕበረሰብ ብ ሰላማዊ መንገዲ ኣብ ምንባር ይጽዕር።
ብፍሉይ ኣተኩርና እንሰርሓሉ ድማ፣ ባህልን ልምድን ኤርትራውያን ኣብ ምዕቃብን ዝያዳ ኣብ ምሕያሉን ከሙኡ ውን ኤርትራዊ ባህልን ልምድን ናብ ዝመጽእ ወለዶ ንምምሕልላፍ ከም ሓላፍነት ወሲድና ንሰርሓሉ። ብዘይካዚ ውን መሰላትን ድሌታትን ኤርትራውያን ስደተኛታት ምውካልን ንትግባሪኡ ምጽዓርን ውልቃዊ ጸገማት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ምፍታሕን ቅልጡፍ ምጽንባር ኣብ ሕብረተሰብ ንምውሓስን ናይ ቛንቓን ምኽሪን መደባት ብምድላው ንሰርሕ። ዳዕሮ ኤርትራ፣ ሓባራዊን ሰላማዊን ናብራ ምስ ዝተፈላለዩ ሕብረተሰብ በቲ ሓደ ወገን፣ ከሙኡ ውን ኣብ ምልላይን ምድንፋዕን ጀርመናዊ መንነት ምስ ኤርትራዊ መበቆል ምሕጋዝን ንቕሓት ምዕባይን ኣተኲሩ ይሰርሕ።
Wir sind eine Migrant*innenorganisation aus Kiel, die sich im Sommer 2018 gegründet hat. Gemeinsam setzen wir uns im Norden Deutschlands für Menschen aus Eritrea ein.
Daero, das ist der Name eines großen Baumes in Eritrea, unter dem sich eine Gruppe von Menschen trifft, um wichtige Themen zu besprechen. Wir haben es uns unter diesem Zeichen zum Ziel gemacht, den interkulturellen Austausch und eine vorurteilslose Kommunikation zwischen Menschen aus Deutschland und Eritrea zu fördern. Verschiedene Veranstaltungen und Projekte sollen Hemmschwellen abbauen und die Weichen für ein friedliches Zusammenleben in Deutschland legen.